መንነት ብዛዕባ ኤርትራዊ መንነት ኣብ ማሕበራዊ መድያ ብዙሕ ክብሃል ጸኒሑን ኣሎን። ብዙሕ ሰብ ንኤርትራዊ መንነቱ ክከላኸልን ክምጉትን ክትርኢ ዝያዳ ሓበን ይፈጥረልካ። ገለ ድማ ብፍላጥ/ብዕላማ ይኹን ብዘይፍላጥ: ኤርትራዊ ዝባሃል መንነት የለን ወይካኣ ጌጋ'ዩ ክብል ይስማዕ። ብናተይ ሪኢቶ: ኤርትራዊ መንነት ሓደ ካብ'ቶም ኣዝዮም ዝተሰርሑ/ውዱኣት መንነታት ዓለም እዩ። ምናልባት ግን መንነት እንታይ ማለት እዩ: ኤርትራዊ መንነትከ እንታይ እዩ ኣማጻጽእኡ ኣብ ዝብል ናይ ርድኢት ዋሕዲ ወይካኣ ምፍልላይ ክህሉ ይኽእል ይኸውን። ነዚ መሰረት ብምግባር: ንሎሚ ኣብ መንነት ብሓፈሻ: ብፍላይ ድማ ኣብ ኤርትራዊ መንነት ኣተኪረ ርዲኢተይ ሰው ከብለልኩ'ሞ: እስከ ግዱሳት ድማ ሪኢቶኹም ሃብሉ: ንሓድሕድና ንማሃሃር። ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ክዛረቡ ካብ ዝኽእሉ ሰባት ምናልባት ኣነ እቲ ዝውሓድኩ ክኸውን ይኽእል እየ: ግዳስ ኩላትና ዓዓቕምና ክንገብር ከም ዘለና ድማ ይርዳኣኒ። ብዛዕባ መንነት ብዙሕ ዓይነት ርድኢትን ኣጣቓቕማን ክህሉ ስለዝኽእል መንነት እንታይ ማለት እዩ? መንነትካ/ኪ ኸ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ መልሱ ክፋላለን ከዛርብን ይኽእል እዩ። መንነት ክብሃል ከሎ መለለይ/መፍለጢ/መጸውዒ ኮይኑ ከከም ኣድላይነቱ: ዉልቃዊ፣ ሃገራዊ፣ ኣህዛባዊ፣ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊ ወዘተ እናበልና ክንጥቀመሉ ንኽእል። ብሓፈሽኡ ግን መንነት ኣግፊሕካን ኣጽቢብካን ወይ ድማ ሓዋዊስካ ክትሓስቦ/ክትርድኦ/ክትጥቀመሉ እትኽእል: ኣብ ሓባራዊ ረቛሒ/ረቖሒታት ዝተመርኮሰ ጡርኑፍ መጸውዒ/መለለይ ህዝብታት ኢልና ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ንኣብነት ኣፍሪቃዊ፣ ኣውሮጳዊ፣ ዓረባዊ ኣስያዊ ወዘተ ከም ገፊሕ ኣከፋፍላ መንነት ክውሰዱ ይካኣሉ። ሃገራዊ መንነት ድማ ኢትዮጵያዊ፣ ኤርትራዊ፣ ሱዳናዊ: ግብጻዊ ወዘተ እናበልካ: መንነት ናይተን ንኣህጉር ኣፍሪቃ ወይ ድማ ንኣፍሪቃዊ መንነት ዘቖማ ሃገራት ክትጠቅስ ትኽእል። ኣፍሪቃዊ-ኣሜሪካዊ/ኣፍሪቃዊ-ኣውሮጳዊ፣ ኣስያዊ-ኣሜሪካዊ ከም ኣብነት ናይ ሕውስዋስ መንነት ክጥቀስ ይካኣል ። ኣብቲ ቀንዲ ዛዕባና ክንኣቱ: ሃገራዊ መንነት: ኣብ መስርሕ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ጥርናፈ ህዝብታት እቲ እናጎልሐ ዝመጽእ ኮይኑ: ነቲ ብኡኡ ዝልለይ ህዝቢ: ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉኣላዊ ፖለቲካዊ-ቁጠባዊ ምሕደራ ዝኣሳስር: ኩሉ ብማዕረ ናተይ ዝብሎ መንነት እዩ። ሃገራዊ መንነት ካብ ኣህጉራዊ መንነት- ንኣብነት ኣፍሪቃዊ መንነት - ንላዕሊ ዝያዳ ስለ ዘቃራርብን ዝኣሳስርን: ኣብ ውሽጥኻ ዝያዳ ዝስማዓካ: ብፍሉይ ትገደሰሉ/ትሕበነሉ እዩ። እዚ ማለት ግን እቶም ኣብ ትሕቲ ሓደ ሃገራዊ መንነት ዝተጠርነፋ ህዝብታት ብኹሉ ነገራቶም ሓደ ይኾኑ ማለት ኣይኮነን። ብ ቋንቋ፣ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ እንዳ ወዘተ ክፋላለዩ ይኽእሉ እዮም። ከም ኣብነት ካብ ናይጀርያ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ ጀሚርካ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ክንጠቅስ ንኽእል። ብኣንጻሩ ሓደ/እንኮ ወይ ድማ ተመሳሳሊ መበቆል: ቆንቋ፣ ባህሊ፣ ሃይማኖት ሃልዮዎም ግን ካኣ ዝተፋላለየ ሃገራዊ መንነት ዘለዎም ህዝብታት ኣለው - ከም ኣብነት መብዛሕተኤን ሃገራት ኣዕራብን ሰለስተ ሃገራት ስካንዲናቭያን - ኖርወይ፣ ሽወደንን ደንማርክን ክንጠቅስ ንኽእል። ሃገራዊ መንነት ኣብ ብዙሕነት ድዩ ወይስ ኣብ ናይ ብሄር/ቋንቋ/ሃይማኖት/ባህሊ እንኮነት ህዝቢ እዩ ዝምስረት: በቲ ኣንፈት ኣወዳድባን ዝምድናታትን ህዝብታት ዝቕለሰ ታሪኻዊ ፍጻመታት'ዩ ዝውሰን። ንሱ ድማ ዘገምታዊ ወይ ድማ ብተዛማዲ ኣብ ሓጺር እዋን ክኽሰት ዝኽእል ወይድማ ናይ ክልቲኡ ውጺኢት ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ግን ምምጻእ ሃገራዊ መንነት: መንቅብ ዘይነበሮ: ኣብ ሙኽኑይን ተፈጥሮኣዊ ምቅርራብ ህዝብታት ዝተመስረተ ሰላማውን ወለንታውን እዩ ኔሩ ማለት ኣይኮነን። በንጻሩ'ኳ ድኣ: ታሪኽ ከም ዝሕብረና: ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝፋላለ ዳኣ ይኹን'ምበር: እቲ መስርሕ: ረብሓ/ምስፍሕፋሕ ዝመሰረቱ ናብ ሰዓርን ተሰዓርን: ጎባጥን ተጎባጥን: ገዛኢን ተገዛኢን ዘምረሐ: ኩናትን ወረራትን ዝሓወሰ ዝተሓለለኸ ጉዕዞ ምንባሩ እዩ። ገለ ሃገራዊ መንነት ኣብ ነዊሕ እዋን ዝማዕበለን ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ክኸውን ከሎ - ንኣብነት መንነት ገለ ሃገራት ኣውሮጳ - ገሊኡ ግን ብተዛማዲ ሓጺር ዕድመ ዘለዎ እዩ ። ንኣብነት መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ብግዳማዊ መግዛእቲ ካብ መፋርቕ 19 ክፍለ ዘመን ንዳሓር ዝተመስረታ እየን። እዚ ማለት ግን ሃገራዊ መንነተን ብመግዛእቲ እዩ ተሰሪሑ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሃገራዊ መንነት ውጽኢት መስርሕ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምትእስሳር ህዝቢ/ህዝብታት ዳኣምበር ብመግዛእታዊ ዶባዊ ሕንጻጻት ጥራሕ ዝመጽእ ኣይኮነን። መግዛእቲ ግን ናይቲ ሲዒቡ ክምዕብል ዝኽእል ሃገራዊ መንነት መበገሲ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ሃገራዊ መንነት እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ: ኣነ ከም ዝርድኦ: ኣብ ታሪኻዊ መስርሕ ምምጻእ/ዕብየት ፖለቲካዊ ጡርንፍነት ህዝብታት: እቲ ጎሊሑ ዝወጽእን: ኩሉም እቶም ኣብ ትሕቲ'ቲ ሉኣላዊ ዶቦት ናይቲ መንነት ዝነብሩ ብማዕረ ዝርድእዎን ዝቕበልዎን መለለይ ህዝብታት እዩ። እዚ ድማ ታሪኻዊ ኣማጻጽእኡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝፋላለ ክኸውን ግድን እዩ። ስለዚ ህዝብታት ነቲ መንነትና እዩ ኢሎም ዝቕበልዎ መለለይኦም ንምርድኡ: ንድሕሪት ተመሊስካ ታሪኻዊ ኣማጻጽእኡ: ምዕባሊኡን ርዝነቱን ምርኣይ ኣድላይ ይኸውን። ዕላማ ጽሑፈይ ኣብ ዝርዝር ኣቲኻ ናይ ኩሎም መንነታት ታሪኻዊ ኣማጻእኣ ሓባራዊ መንነቶም/መለለይኦም ምግላጽ/ምትንታን ኣይኮነን። ንሱ ብዙሕ ግዜን ሞያዊ ኣፍልጦን ዝሓትት ጥራሕ ዘይኮነ ኪኖ ዓቕመይ'ውን እዩ። ግዳስ ኣብቲ ኩሉ ዝርዝር ምእታው'ውን ነቲ ክብሎ ዝደለኹ ንምባል ብዙሕ ኣድላይ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ኣብ ኤርትራዊ መንነት ጥራሕ ብምትኳር ርዲኢተይ ብዛዕብኡ ከካፍለኩም ክፍትን እየ። ቅድሚ ናብኡ ምእታወይ ግን ሓደ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይብሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገራዊ መንነት ክፍጠር ዝኽእል ተርእዮ ቁሩብ ክብል። እቲ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሃገራዊ መንነት ዝጠርነፈ ህዝቢ: ነቲ ሃገራዊ መንነት ብማዕረ እንተዘይሪዒምዎ: ማለት ብማዕረ ናተይ ዘይብሎ ምስ ዝኸውን (lack of equal sense of willingness to belong to one national identity): ብዙሕ ግዜ ውሽጣዊ ተባሂሉ ብዝግለጽን: ክሳብ ኣብ ኩናትን ምፍልላይን ክበጽሕ ዝኽእል ግርጭታት ክፈጥር ከም ዝኽእል እዩ። ብኸምዚ ምኽንያት ዝተፈጥራ ሓደስቲ መንነታት/ሃገራት እውን ብዙሓት እየን (ንኣብነት ፖኪስታን: ባንግላደሽ)። ገና ኣብ ተመሳሳሊ ግርጭት ተሸሚመን ዝርከባ'ውን ኣለዋ። ኤርትራዊ መንነት ኣነ መንነትካ እንታይ እዩ ኢልኩም እንተሓቲትኩምኒ: እቲ ቀልጢፉ ኣብ ርእሰይ ዝመጸኒ እቲ ሃገራዊ መንነተይ ስለዝኾነ: ኤርትራዊ ብምባል ይምልስ። ኣነን ወሎደይን ብስድራና ኤርትራውያን ኢኹም እናተብሃልና ብዛዕባ ታሪኽን ገድልን ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት እናተነገረናን እናተኻታተልናን ብኤርትራዊ ስሚዒት ኢና ዓቢና። ወሎዶይ ኣብ ምምላስን ምውሓስን ኤርትራዊ መንነት ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ዝሓለፈን ዘሎን እዩ። ስለዚ ኣብ ውሽጠይ ልዕሊ ኤርትራዊ መንነተይ ትርጉም ዝህበኒ: ዘሐብነንን ፍሰሃ ዝፈጥረለይ ነገር የለን። እቲ ሓታታይ ካብ ኤርትራውነተይ ወጻኢ ካልእ መልሲ እንተተጸብዩ: ኣብ ትርጉም መንነት ተፈላሊና ኣለና ማለት እዩ። እቲ ንሱ ንመንነት ዝህቦ ትርጉም ቀጥታ ምስ መቦቆል/ዘርኢ/ቋንቋ ዝተተሓዘ እንተኾይኑ: እንታይ እዩ መንነትካ ዘይኮነ እንታይ'ዩ መቦቀልካ/ቋንቋኻ ኢሉ ክሓተኒ ይግባእ። እዚ ግን ናተይ ርድኢት ናይ መንነት ኣይኮነን። ኩሉ መንነት ኣለኒ ዝብል ሰብ መቦቆል/ቋንቋ ዘይብሉ የለን። ምናልባት እቲ ናይ መጀመርያ ሰብ: ሰብ ካብ ምዃን ወጻኢ ካልእ መንነት ኣይነበሮን ይኸውን አምበር(አዚ አውን ንባዕሉ ዘካትዕ ክኸውን ይኸእል አዮ): ኣብ መስርሕ ዘገምታዊ ለውጢ/ስልጣነ ደቂሰባት: መቦቆል/እንዳ/ቋንቋ/ሃይማኖት/ባህሊ ካልእ ተመሳሳሊ "መለለይ" ዘየጥረየ ሰብ/ሕብረተሰብ የለን። ብዙሕ ዓይነት ምፍልላይ ዘለዎ ህዝቢ ከመይ ኢሉ ናብ ሓደ ሓባራዊ መንነት ይመጽእ ዝብል ሕቶ: ድሮ ኣብ ላዕሊ ዘልዓልክዎ ስለዝኾነ ምድጋሙ ብዙሕ ኣየድልን። ብዛዕባ ኤርትራዊ መንነት ግን ቁሩብ ክብል። ኤርትራዊ መንነት: ውጽኢት ናይቲ ዝተፈላለየ መበቆል፣ እምነት፣ ቋንቋ ወዘተ ዘለዎ ህዝብና: ብሓባር ናይ ምንባር ዘርኣዮ ድልየትን ንምትግባሩ ኣንጻር ገዛእትን መስፋሕፈሕትን ዘካየዶ ናይ ወሎዶታት ሓባራዊ ቃልስን ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእትነትን እዩ። ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ጥልያን ህዝብና ንፈለማ ግዜ ኣብቲ ሓደ ስሩዕ ፖለቲካዊ ምምሕዳር ተጠርኒፋ። እዚ ማለት ግን ቅድሚ ምምጻእ ጥልያን ህዝብና ንሓድሕዱ ዘይፋለጥን ፍጹም ዝምድና ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። በንጻሩ እኳ ድኣ: መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጥልያን ዝተጠርነፋ ህዝብና ኣብ ንሓድሕዱ ንዘመናት ዝዘለቐ ዝምድናታት ምትእስሳራትን ከም ዝነበሮን ኣንጻር ናይ ግዳም ወረርቲ ይዳጋገፋን ሓቢሩ ይምክትን ከምዝነበረ ታሪኽ ይሕብር እዮ። ምድሪ ባሕሪ፡ መረብ ምላሽ ወዘተ ዝብል ዝተፋላለየ ስያመታት ከም ዝነበሮም ድማ ናይ ታሪኽ መዛግብቲ ይሕብሩ። ልክዕ እዩ ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ጥልያን ህዝብና ኤርትራ ኣብ እትባሃል: ዶባታ ንጹር ግዝኣት ንፈለማ ግዚኡ ብምእኩል ክማሓደር ጀሚሩ። መግዛእቲ ጥልያን ዘመናዊ ትሕተ ቅርጺ ብምዝርጋሕ ንህዝብና ምስ ዘመናዊ ኢንዱስትርያዊ ሽቕለት: ዕስክርና: ናብራ ከተማ ወዘተ ኣላልዩ ንሓድሕዱ ዝያዳ ንክፈላጠን ክታኣሳሰርን ዘኽእል ባይታ ፈጢሩ። እዚ ድማ ኣብ ምምጻእ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ቀሊል ተራ ኣይነበሮን። ጥልያን ኤርትራ ትባሃል ግዝኣት ፈጢሩ ይኸውን: ኤርትራውነት ዝባሃል መንነት ግን ኤርትራውያን እዮም ደልዮሞ: ሰሚሮሞ: ነቢሮሞን ዋጋ ከፊሎምሉን። ምስ ምኽታም ካልኣይ ውግእ ዓለምን ስዒቡ ዝመጸ ምኽታም ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃን: ህዝቢ ኤርትራ ዘይከም ኩለን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበራ ግዝኣታት ነጻ ሃገር ናይ ምምስራት መሰል ተነፊጉ። ኤርትራ ትግባኣና እያ ዝብሉ ሓይልታት ዞባና ንኤርትራ ኣብ ትሕቲኦም ንምእታው ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓሳት ጀመሩ። ን ኤርትራ መቒልካ፥ ነቲ ኣብ ቆላ ዝነብር ህዝብና ንሱዳን ነቲ ከበሳዊ ድማ ን ኢትዮጵያ ንምሃብ ብምምሕዳር አንግሊዝ ተወጠነ። ኣብቲ እዋን ግን ህዝቢ ኤርትራ ድሮ ኣማዕብሊዎ ዝጸንሔ ሓደ ኤርትራዊ መንነት ስለዝነበሮ ነቲ መንነቱ ዓቂቡ ብሓደ ክኸይድ ብምምራጽ ነቲ ውዲት ከፍሽሎ ኪኢሉ። አዚ ድማ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈታኒ እዋን ተራ መንነት ዓብይ ምዃኑን፥ ኤርትራዊ መንነት ንህላዌ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ተራ ከም ዝነበሮ እዮ ዝሕብር። ኣብቲ እዋን'ቲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝነበሮ ድኽመት/ሕጽረት ውሁድ መሪሕነት መዝሚዝካ ሓድነቱ ንምብታን: ሃይማኖታዊ ምፍሕፋሕን ግርጭታትን ንኽምዕብል ብስርዓት ሃይለስላሴ ብዙሕ ተሰርሐ። ህዝቢ ኤርትራ: ምስቲ ኩሉ ሽግራቱ: ሓድነቱ በቲንካ መንነቱ ንምህሳስ ዝተገብረ ሸርሕታትን ምንቅስቓሳትን ክቃለሶን ከፍሽሎ እኳ እንተኻኣለ: ኣብ መወዳእታ ግን ብጸቕጢ ሓያላን ብዘይድላዩ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ከም ዝቑረን ተገብረ። ኣብ ትሕቲ ፈደረሽን ድማ መሰሉ ንኤርትራዊ መንነቱ እናተጋህሰ: ቀስ ኢሉ ድማ ብስርዓት ኢትዮጵያ ክዋሓጥ ምስ ተዓዘበ ንዝተመንዘዕ መንነቱ ንከምልስ ብረታዊ ቃልሲ ክጅምር ግድን ኮኖ። እቲ ብውሕዳት ዝጀመረ ቃልሲ ብብዝሒ እናተጸምበሮ ስለ ዝኸደ: ናብ ሓደ ዓቢ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ክምዕብል ግዜ ኣይወሰደን። ኣብዚ እቲ ኣገዳሲ: እቲ ምንቅስቓስ ናይ ውሱናት ዘይኮነ ንኹለን ብሄራትን ጽላታትን ኤርትራ ዝሓቁፍ ምንባሩ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስኩሉ ብዙሕነቱ ንኤርትራዊ መንነቱ ከምልስ ብሓደ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ኤርትራ ተቓሊሱ። ስለ መንነቱ ተኣሲሩ: ተገሪፋን ተሰዲዱን። ኣብ ገድሊ ኤርትራ ዝተራእየ ትብዓት: ተጻዋርነት: ሓልዮት: ተወፋይነትን ጅግንነትን ናይ ባሓቂ ናይ ሰብ ምዃኑ ዘጣራጥር እዩ። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽና አቲ ዝለዓለ መግለጺ ፍቕሪ ሃገርናን አሪትራዊ መንነትናን አዮ። ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መስተንክራዊ ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ድማ: ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ብዘይ ድላዩ: ብሸርሕን ብጎበጣን መንነቱ ሓኺኾም መሰሉ ንሃገረውነት ዝገፈፍዎ ሲዒሩ: ኤርትራዊ መንነቱ ደጊሙ ኣረጋገጸ። ክርሳዕ ዘይብሉ፡ ኣብ ግዜ ጎቦጣ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራ ኤርትራዊ መንነቱ ንምህሳስ: በቲ ግዜ’ቲ ኣጸዋዉዓ ‘’የኢትዮጵያዊ መንነት መታወቂያ ወረቀት’’ እንዳተባህለ ንኤርትራዊ ይዕደል ኔሩ። ገድሊ ኤርትራ: ነጻነት ኤርትራ ዘጨበጠ ጥራሕ ዘይኮነ: ንኤርትራዊ መንነት ናብ ዝሓየለን ዘተኣማምንን ብራኸ ዘደየበ መስተንክራዊ ገድሊ እዩ። ኣብ ዓለም ብኸምዚ ኣገባብ ነጻነቱን መንነቱን ዘረጋገጸ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ብቓልሱ ኣረጋጊጽዎ ከብቅዕ ግን: ኣብ መጻኢ ክፍጠር ካብ ዝኽእል ሓደጋ ንምውሓስ: ነጻነቱ ሕጋውነት ክለብስ ስለ ዝነበሮ: ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ዝተዓዘቦ ረፈረንዱም ልዕሊ99 ሚእታዊት እው ንነጻነት ክብል ኣድሚጹ። እዚ ድማ እወ ንኤርትራዊ መንነት ተባሂሉ ማለት እዩ። ብዛዕባ ኤርትራዊ መንነት ዘጣራጥር ነገር ኔሩ እንተኾይኑ ድማ እቲ መዝገብ ብገድሊ ኤርትራን ብረፈረንደምን ብወግዒ ተዓጽዩ እዩ። ይኹን አምበር አቲ ተጻብኦታት ኣንጻር አርትራዊ ሃገራዊ መንነት በዚ ጠጠው ኣይበለን። ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ኩናት ኤርትራን ኢትዮዽያን: ድሕሪኡ ክሳብ 2018 ብውያነ ዝምራሕ መንግስትን መሻርክቱ ምዕራባውያን ሃገራት ናብ አርትራ ዘርኣይዎ ቅሉዕን ዘይቅሉዕን ተጻቦታት ቀንዲ ሕመረቱ ኣንጻር አርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ሉኣላውነትን አዮ ኔሩ። ድሕሪ አቲ ኣብ 2018 ኣብ ኢትዮዽያ ዝመጸ ለውጢ ብውያነን ብሙሁራት ተጋሩ ኣንጻር ኤርትራ ዝግበር ቀጻሊ ተጻብኦታት ድማ ቀንዲ ዕላምኡ አርትራዊ መንነት ኣዳኪምካን ሲዒርካን ኣብ ልዕሊ መቃብር ኤርትራ ትግራይ ወይ ድማ ዓባይ ትግራይ ትባሃል ሃገር ምምስራት አዮ። ኣብ’ዚ ሕጂ አዋን ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ተጻብኦታት ኣዳኺሙ መንነቱን ሉኣላውነቱን ኣውሒሱ ዝርከብ አኳ አንተኾነ፥ አቲ ተጻባኦ ተውዲኡ አዮ አልካ ምሕሳብ ግን ኣይከኣልን አዮ። ነዚ ድማ ኢና ሕጂውን ብዛዕባ ምዕቃብን ምክልኻልን አርትራዊ መንነትና ንዛረብ ዘለና። ኤርትራውነት መንነትና ኮይኑ ክቕጽል እንተኾይኑ ኩሉ ግዜ ንቑሓትን ድልዋትን ክንከውን ግድን አዮ። The price of freedom is eternal vigilance (Thomas Jefferson). መንነትን ዜግነትን መንነትና ኤርትራዊ: ዜግነትና ድማ ኤርትራዊ ይጽዋዕ። ኩሉ ኤርትራዊ ዜግነት ዘለዎ ግን ኤርትሪዊ መንነት ከይህልዎ ወይ ድማ ኤርትራውነት ከይስምዖ ይኽእል ይኸውን። ምስቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝጠቐስክዎ መስርሕ ምዕባለ ኤርትራዊ መንነት ልሑሉሕ ምትእስሳር ዘለዎም ሰባት ኤርትራውነት ከይስሞዖም ይኽእል እዩ። ኤርትራዊ መንነትካ ክስማዓካ ግድን ኤርትራዊ መቦቆል ክህልወካ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ብዙሓት መበቆሎም ካብ ኤርትራ ዘይኮነ ግን ኣብ መስርሕ ምዕባለን ምውሓስን ኤርትራዊ መንነት እጃሞም ዘበርከቱን ዝሰንከሉን ዝተሰውኡን ኤርትራዊ መንነት ክስመዖም ግድን እዩ። ብኣንጻሩ: ብመሰረት ምዕቡል ሕጊ ዜግነት ኤርትራ: ኤርትራውያን ዝኾኑ ግን ኤርትራዊ መንነት ዘይስምዖም ክህሉው ይኽእሉ እዩም። ኤርትራዊ ዜጋ ኮንካ ኤርትራዊ መንነት ከይስማዓካ ሓደ ነገር እዩ: ንኤርትራዊ መንነት ከተናኣእስን ከተህስስን ክትበታትንን ክትሰርሕ ግን ቅቡል ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብፍላይ ንፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ኤርትራ እየ ዝቃለስ እናበልካ ነቲ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ መንነትና ከተካሻምሽን ከተፍርስን ህርድግ ክትብል ናይ ገበናት ገበን እዩ። ኣስተውዕል: ዜግነት መሰል ጥራሕ ዘይኮነ ግዴታ እውን እዩ። ስለዚ ብሕጊ አውን ከሕትተካ/ኪ ከም ዝኼእል ምፍላጥ የድሊ። ኣብ መንጎ ኤርትራውነት ዝስመዖ ህዝቢ ምንባርካ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ይፈጥረልካ እንተሃልዩ: ምስቲ መንነተይ እትብሎ ህዝቢ ኬድካ ምንባር እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ እዩ። ምኽንያቱ: መንነት ኣብ ውሽጥኻ ዝስማዓካ ነገር ስለዝኾነ: ኣብ ዘይምእማኣካ መንነት ክትነብር ስቅያት እዩ። እዛ ሓጻር ሂወት: ኣይትድገምን እያ። መልክዓን ዕግበታን ድማ ኣብቲ ውሽጥኻ ዝብለካ ምንባር እያ። ሃገራዊ መንነት መግለጺ ሓደ ሓባራዊ ዝምድና እዩ። ኣብ ውሽጢ ገዛኻ: ዓሌትካ: መበቆልካ ተሓጺርካ እትምስርቶ ዝምድና ብዙሕ ዝገርም ኣይኮነን። ከይተመስረተ ዝተመስረተ ስለዝኾነ። ኪኑኡ ኬድካ ትፈጥሮ መንነት ግን ነጸብራቕ ናይ ብሓባር ክትነብር ምድላይካን ነዊሕ ዝጠመተን ምዕቡል ኣታሓሳስባኻን ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ንወዲሰብ ንቕድሚት ዝዎስዶ ድማ ንሱ እዩ። ኤርትራዉነት ድማ ሓደ ዘኹርዕ ኣብነት ናይ ከምዚ ዓይነት ዝምድና እዩ። ኣርትራውነት ምስጢር ሓባርካ ምቅላስን ምንባርን ዘምህር: መግለጽን መርኣያ ምዕቡል መንነት እዩ። ኤርትራውነት ኪኖ ኤርትራ ከይዱ: ምስ ካልኦት ህዝብታት ንዝላዓለ ሓባራዊ ምትእኽኻብ (ቁጠባዊ ይኹን ካልእ) ባይታ ዘንጸፈ መንነት'ዩ እንተተብሃለ'ውን ምግናን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብሓደ መንነት ተጠሚሩ ንሓድሕዱ ብፍቕርን ብርእሰ ተኣማንነትን ዝነብር ህዝቢ ምስ ካልእ ህዝቢ ጥዑይ ዝምድና ፈጢሩ ክነብር ስለ ዘይጽገም። ጥዑይ ኣእምሮን ቅኑዕ ኣታሓሳስባ ንዘለዎ ሰብ: ኤርትራውነት ዝድነቕ: ዘሕብን: ዘቕንእን ካልኦት ህዝብታት ክማሃሩሉን ዝግባእ መርኣያ ፍቕሪ ዝኾነ መንነት ዳኣ'ምበር: ብጽልእን ሕስድናን ዓዊርካ ከተፍርሶ ከይደቀስካ ክትሓድረሉ ዘለካ መንነት ኣይኮነን። ኤርትራዊ ዜጋ ኮንካ ካብ ኤርትራውነት ንላዕሊ ትግራዋይነት ወይ ድማ ኢትዮጵያውነት ዝስማዓካ እንተኾይኑ: ንኤርትራውነት ክትጻብኦ ግዜኻ ካብ እተባኽን: ቅዱስ ቅንኢ ኣሕዲርካ ነታ ብዓሌታዊ ሕማም ሓዊ ኣትዩዋ ትሳቐ ዘላ ሃገርካ ካብ ምፍራስ ከተድሕናን ናብ ዝበረኸን ውሑሱን መንነት ክትምርሽ ክትሕግዛ ይግባኣካ። እቲ ዝዓበየ ትርጉም/ተልእኾ ናይ ሂወት ንደቂ ሰባት ንቕድም ንኽስጉሙ ምሕጋዝ እዩ። እቶም ንባህጊ: ታሪኽን ቃልስን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጡን ዝርድኡን: ንህዝቢ ኤርትራን መንነቱን ክብርን ኣድናቖትን ጥራሕ እዩ ዝህልዎም። ነቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ታሪኽናን መንነትናን ከነኣእሱን ክህስሱን ዝጽዕቱ ግን: ግድን ኣኽብሩና ኣድኑቑናን ኣይንብልን: ዋጋና ኣነጺርና ንፈልጥ ህዝቢ ምዃና ግን ክፈልጡ ይግባእ። መንነትና ብተጽዕኖ: ብትኳቦ: ብፍለጡለይን ባሩኽለይን ሰለዘይመጸ: ንምዕቃቡን ንምምዕባሉን: እንተዋሓደ ክንድቲ ዝተጎዓዝናዮ ክንጉዓዝ ከም እንኽእል ብኣጋ ምፍላጥ ከድልዮም እዩ። መዘኻኸሪ መንነት ብደይ መደይ ኢልካ ዝግበር ግዳማዊ ኣሉታዊ ምንቅስቓሳትን ብዘበን ኣምጽኦን እናተሸርሸረ ክመጽእ ስለ ዝኽእል: ንኤርትራዊ መንነትና ክንሕሉን ክንካላኸልን ግድን እዩ። ብፍላይ ኣብዚ አዋን አዚ ኤርትራዊ ዜግነት አምበር ኤርትራዊ መንነት ዝባሃል የለን፥ መንነት ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ትግራዋይ አዮ ዝብል ትረኻ ካብ ተጋሩ ኢትዬጵያውያንን ኣብ ኤሪትራ ተወሊዶም ብዛዓበዩ ተጋሩን ብሰፊሑ ክስበኽ ንሰምዕ ኣለና። አዚ ክበልዕዋ ዝደለዮ ኣባጉንባሕሲ ዛግራ ይብልዋ ከም ዝባሃል፣ ነቲ መሰረት ሃገራዊ ህላወና ዝኾነ አሪትራዊ መንነትና ኣህሲስካ ን ኤሪትራ ከም ሃገር ኣብ ዝተናውሐ አዋን ንምፍራስ ዝሃቀነ፣ ብዙሕ ወጻኤኢታትን ጎስጎስን ዝግበሮ ውዲት አዮ። አዚ ካብ 1998 ክሳብ 2018 ብዘይ ምቁራጵ አቲ ንነዊሕ ዓመታት ንኤርትራ ህዝባን ንምድኻምን ዝተኻየደ ጳዕርታት ከይጠቐስና ማለት አዮ። ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኩናትውን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዓላማታቱ ኣንጻር አርትራን አሪትራውነትን አዮ ። አቲ ኩናት ክሳብ ሕጂ ዝቕጵለሉ ዘሎ ምኽንያት አውን አቲ ኣንጻር አሪትራን አሪትራውነትን ዝቐንዐ ዕላማ ሽትኡ ስለ ዘይሃረመ አዮ። ዓቕሚ ክሳብ ዝረከቡ አውን ክቕጽል አዮ። ስለዚ አሪትራውያን ነዚ ሓደጋ አዚ ብንቕሓት ክንምክትን ኔኤሪትራዊ ሃገርዊ መንነትና ክንሕሉን ክንከላከለሉን ይግባእ። ምናልባትውን ኣብ ሕጊ ዘግነት ተሞርኪስካ ዝዋሃብ አሪትራዊ ዘግነት ብመንጽር ውሕስነት ሃገራዊ አሪትራዊ መንነትን ረብሓን ክንርአዮን ዳግመ ግምት ክንገብረሉን እቲ ግዜ ዝኣኸለ ይመስለኒ። ብኻልእ ወገን መንነት እናማዕበለን እናደልደለን ክኸይድ ዝኽእል ስለ ዝኾነ: ኤርትራዊ መንነት ውዱእ እዩ ኢልና ክንሓስብ ክንቀስንን ኣይንኽእልን። ኣብ ማሕበረ ቁጠባዊ ምትእስሳር ህዝብና ዕዮ ገዛ ከም ዘለና ኣይንዝንግዕን። ነዚ ንምትግባር ድማ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስርዓታትና ንታሪኽን ክብርን መንነትና ዝምጥን ክኸውን ይግባእ። እዚ ማለት ድማ እንኽተሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስርዓት ንኹሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብማዕረ ዝውክልን ዘሳትፍን ዘርብሕን ክኸውን ኣለዎ ማለት እዩ። ብጉጉይ መረዳእታ ባህጊ ወይ ድማ ብግዳማዊ ጸቕጢ ዝመጽእ ንህዝብና ብማዕረ ዘየሳትፍን ዘየርብሕን ንሓድነትናን ንመንነትናን ኣብ ሓደጋ ስለ ዝእቱ ወጊድ ክንብሎ ይግባእ። ንንግዳውን ተክኖሎጂካዊን ምትእስሳር ዓለም (globalisation) ኣብ ምምዕባልን ምድልዳልን ሓድነትና ብጥንቃቐን ብግቡእ ክንጥቀመሉ ይግባእ። ማሓሪ ትኳቦ maharitikabo@gmail.com