ሃሞራቢ ዝብሃል (ዲና ሙፊቲ ተኣምራት ነገራ) ፈላስፋ

ሃሞራቢ ዝብሃል (ዲና ሙፊቲ ተኣምራት ነገራ) ፈላስፋ ኔሩ ደቂ ተባዓትዮ 32 ሰኒ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ 30 ስኒ ኣለወን እንዳበለ ይምህር ኔሩ ሕዝቢ ስዕብዎ ብዓል ኣርሲቶቲል ምስ መጹ "ኣንታ እዚ ሃሞራቢስ (ዲና ሙፊቲ ተኣምራት ነገራ) እንታይ ኮይኑ ሰበይቱ ኣብ ጥቕኡ እንዶ ኣይነበረትን ናይ ሰበይቱን ከምኡ ከኣ ናይ ጉሉ ወረግ ናይ ጎሮባብቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣስናን እንዳቆጸረ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ 32 ኣስናን ከም ዘለወን መረጋገጸ ኔሩ" ኢሎም ሕጂ ከኣ ንበዓል ዲና ሙፊቲ ተኣምራት ነገራ ማርቲን ፕላዉት ዶክተር ዳቪድ ሽን ዝኣመሳሰሉ ሃሞሪቢ ዝብል ሽም ኣጠሚቐዮም ኣሎኹ ስለዚ ኣብ ክንዲ በብሓደ ሽምም እንደጠቐስና ግብረ-መልሲ ንህብ በዚ ሓባራዊ ናይ ኮድ ሽሞም ሃሞራቢ ንበሎም ምኽንያቱ ብዛዕባ ሕዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ኣረኣእያ ልክዕ ከምዚ ናይ ሃሞራቢ ጉጉይ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም እንታይ ኮዮኖም ካብ ዉድቀት ሃጸይ ሃይለስላሰ መንግስቱ ሃይለማርያም መለስ ዜናዊ ከምኡ ከኣ ሕጂ ብዓብዩ ዉድቀት ወያኔ ዘይምሃሩ ብዛዕባ ካብ ዉድቀት ትምህርቲ ዘይምርካብ ፈላስፋ ካንት ዝበሎ ይሰማማዓሉ ኢየ ኣብ መጽሓፍ "A history of western phlosophy: Kant and the Nineteenth Century, second edition, revised, by W. T. Jones " ገጽ 43 ተመልከት ካንት ዝብል "ሓደ ነገር ክትምሃረሉ ትኽእል ንነገራት ብስሩዕ ትዕዝብቲ ካብ ተሞክሮ ኢዩ" ልክዕ ኣበሃህላ ኢዩ ናይ እዚኦም ሃሞራቢ ጸገም ኡኮ ንነገራት ብስሩዕ ትዕዝብቲ ተሞክሮ ዘይምዉሳዶም ኢዪ ኣብ 1991 ገድሊ ኤርትራ ድሕሪ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ሓርነት ኤርትራ ኣረጋጊጹ ኣብ 1993 ብረፈራንደም እወ ንነጻነት 99.98 ኣድሚጹ ኣረጋጊጹ ኣብ 2002 ብዉሳኔ ኮሚሽን ዶብ ልዕላዊነቱ ኣረጋጊጹ ሓደ ውልቀ ሰብ እንተድኣ ብዛዕባ ነጻነትን ልዑላዊነትን ኤርትራ ተሞክሮ ክህልዎ ኮይኑ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ስሩዕ ትዕዝብቲ ክህልዎ ይግባእ እንተዘይኮይኑ ከምዚ ሃሞራቢ ኣብ ክንዲ ስሩዕ ትዕዝብቲ ብዛዕባ ኣስናን ደቂ ኣንስቲዮ ኣጽንዑ ዝዘረብ ከም ዝመጻሉ እንዳተዛረበ ንነዊሕ ግዝያት ንሰባት ኣእሚኑ ኣጋግዩ እሞ ኸኣ ኣብ ጥቕኡ ሰበይቱ ኣዋልዱ ናይ መቕርቡ ኮነ ናይ ጎረባብቱ ደቂ ኣንስቲዮ እንዳሃለወ ኣብ ክንዲ ስሩዕ ትዕዝብቲ ምዉሳድ ብመን ከማይ ትምክሕቲ ተነፊሑ ብግልጺ ሰባት ኣኪቡ ጌጋ ሓበሬታ ይምህር ኔሩ ናይ ዘበና ሃሞራቢ ከኣ ኣብ ክንዲ ነዚ ስሩዕ ናይ ኤርትራ ነጻነትን ልዑላዊነትን ካብ ትዕዝብቲ ተሞክሮም ዝምሃሪሉ ብወጀ ሃላይ ወይ ከኣ በዘፈቀደ ከም ዝመጸሎም ይዛረቡ ኣለዉ ዕሽሽ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን ምኽንየቱ ኣበሃህላ ሃሞራቢ ክሳብ ብዓል ኣሪስቶቲል ዝመጹ ንደቂ ሰባት ኣጋጊዩ ኢዩ ሕጂ ከኣ ነዚኦም ናይ ዘበና ሃሞራቢ ካብ ስሩዕ ትዕዝብቲ ተሞክሮ ቀሲሞም ክመሃሩን ክፈልጡን መታን ስሩዕ ትዕዝብቲ ከም ዝወስዱ ምግባር ናትና ሓላፍነተ ኢዩ መታን ኩሉ ክፈልጦ ሼር በልዎ

Tesfamicael Yohannes Teckle

Oslo, Norway

 

www.afronorway.com

Epost tesfamicaelyohannes@gmail.com