ሕጊ ባሕሪ ኣሎዶ?

 

እቲ መልሲ ንይዚ ኣርእስቲ ዘሻሙ ኣይኮነን። እወ ሕጊ ባሕሪ ኣሎ ኢዩ እቲ መልሲ። ልክዕ ከምቲ ናይ መሬት፣ ከምኡ’ዉን ናይ ኣየር ሕጊ ዘሎ ማለት ኢዩ። ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም፣ ሕቡራት ሃገራት ዉድብ ተመስሪቱ። ንዓለም ብሰላምን፣ ሕዉነትን፣ ምትሕግጋዝን ሃገራት ኽነብራ ብማለት ንመሬት፣ ንኣየር፣ ንባሕሪ ብዝምልከት ዓለምለኻዊ ሕግታት ተሓንጺጹ ኢዩ። እዚ ስለዝኾነ ከኣ ዉሱን ዝኾነ ምዝብዓት ስርዓተ ዓለም፣ ዉግእን ወረ ዉግእን ገድፍካ ብተዛማዲ ዓለምና ኣብ ርግኣት ትርከብ። እዚ ሎሚ ተገዲሰ ክጽሕፍ ዝድረኸኒ፣ ኣብዚ ቐረባ እዋን ምሁራት ትግራይ ብዛዕባ ባሕሪ ኤርትራ ታሪኻዉን ሕጋዊን መሰል ኣሎና ኽንጥቀመሉ ሰለዝበሉ ምናልባት ብታሪኽን ብሕጊ ዓለምን ፈላጣት ኢና ይቡሉ ከይህልዉ ልጓም ኽግበረሎም ብማለት ኢየ።

ብቐዳምነት፣ ምሁራት ትግራይ፣ ካብቲ ሃዋኽን መዕገርገርን ተግባራቶም ተኣልዮም ኣብ ጽሕፉን ዘተን ይምለሱ እንተሃልዮም እዚ ካብ ዉግእን ህዉከትን ተመራጺ ስለዝኾነ ብጽሕፉን ብዘተን ኽነጸምዶም ይግባእ። እቲ ቐንዲ ኣሸጋሪ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ግን ገና ካብቲ ዓንዳርን ሃዋኽን ተግባራቶም ዘይተቖጠቡ ምዃኖም ኢዩ።

እምብኣር በቲ እሳቶም ምሁራት ትግራይ ዘልዓልዎ ነጥብታት መበገሲ ጌሪና ኽንዛተ። ታሪኻዉን ሕጋዊን መሰል ኣሎና ባሕሪ ኤርትራ ኽንጥቀመሉ ኢዮም ኢሎም። እቲ ታሪኻዊ ዝብል ኣብቲ መወዳእታ ኽንዛተየሉ ኢና። ነቲ ሕጋዊ ዝበልዎ ግን ዓቢ ሚዛን ሂብና ኣቐድሚና ኽንርእዮ። ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣጠቓቕማ ብሕሪ ኣሎ። ኣብ ጎጉል ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ሕጊ ባሕሪ እንድሕሪ ኢልካ ተወክስካ ከምዚ ዕምባባታት መስከረም እቲ ጽሑፋት ተዘርጊሑ ተረኽቦ። ስለዚ ዝኾነ ከንብቦ ዝኽእል ጽሑፋት ኢዩ ዘሎ። ነቲ ጽሑፋት ንምንባብ ግዜን ትዕግስትን ይሓትት። ብዝኾነ ንኣፍልጦ ክኸዉን ብማለት እቲ ኣገዳሲ ነጥብታት ጥራሕ ኽጠቅስ ኢየ።

እቲ ዓለምለኻዊ ሕጊ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ባሕሪ ኣብ ክልተ ከፊሉ ኢዩ ዝርእዮ።

1.     ኣብ መንጎ ገምገም ባሕሪ ዘለወን ተዳወብቲ ሃገራት ዘሎ ዝምድና።

2.     ኣብ መንጎ ገምገም ባሕሪ ዘለዋ ሃገርን ገምገም ባሕሪ ዘየብላ ዕጹዉቲ ሃገርን ዘሎ ዝምድና።

 

ኣብ ቁጽሪ ሓደ፣ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ከም ንኣብነት ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን፣ ኤርትራን ጂቡቲን፣ ኤርትራን የመንን፣ ኤርትራን ሱዑዲ ዓረብን፣ ኤርትራን ጆርዳንን፣ ኤርትራን ግብጽን ዝኣመሳሰላ ሃገራት ዝምልከት ኢዩ። እቲ ሕጊ (Law of Sea  2749 (XXV) of 17 Desember 1970) ዝብል ተወከስ። ሓንቲ ሃገር ገምገም ባሕሪ ዘሎዋ ናተይ እጀታይ ትብሎ ካብቲ ገመገም ባሕሪ 12 ናዉትካል ማይልስ ማለት 22.2 (ኣሰታት ዕስራን ክልተን ኪሎሜተር) ንባሕሪ ትዉንን። ብተወሳኺ ተተሓሓዚ እጀታ ዝብሃል ክሳብ 24 ናዉትካል ማይልስ ማለት 44.4 (ኣሰታት ኣርበዓን ኣርባዕተን ኪሎሜተር) ዝበጽሕ ኽትዉንን ትኽእል። ካብዚ ንላዕሊ’ዉን ቁጠባዊ ዞባ ዝብሃል ክሳብ 200 ናዉትካል ማይልስ ማለት 370.4 (ኣሰታት ሰለስተ ምእቲን ሰብዓን ኪሎሜተር) ኽትዉንን ትኽእል። ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ዘሳፍሕ ኣይኮነን። ብመሰረቱ’ዉን ቁጠባዎ ዞባ ዝብሃል የብሉን። ቁጠባዊ ዞባ ከም ብዓል ዉቅያኖስ ህንዲ፣ ሰላማዊ ዉቅያኖስ፣ ኣትላንቲካዊ ዉቅያኖስ ዝኣመሳሰሉ ኢዩ። ቀያሕ ባሕሪ፣ ኣብ መንጎ፣ ንዓለምለኻዊ መተሓላለፊ ዝኸዉን ግደ ምስተወስዶ ነቲኣን ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎዋ ነንእሽቶ ኢዩ ዝበጽሔን። ስለዚ እቲ ዓለምለኻዊ ሕጊ ብዛዕባ ቁጠባዊ ዞባ ንቐይሕ ባሕሪ ጽሉዋ የብሉን። ምኽንያቱ ስፍሓት ቀይሕ ባሕሪ እቲ ዝሰፍሔ ኣስተታ 350 ( ሰለስተ ምእቲን ሓምሳን ኪሎሜትር) ክኸዉን ከሎ እቲ ዝጸበበ ከኣ 25 (ኣሰታት ዕስራን ሓሙሽተን ኪሎሜተር) ኢዩ ዝኸዉን። ኣብ መንጎ፣ ንዓለምለኻዊ መተሓላለፊ ዝኸዉን 3.5 (ኣሰታት ሰለስተ ነጥቢ ሓሙሽተ ኪሎሜትር) ዝኸዉን ኣሎ። ስለዚ ካብቲ ዝሰፍሔ እንተድኣ ንኽልተ መቒልናዮ ኤርትራ ኣስታት 172 (ኣሰታት ምእቲን ሰብዓን ክልተን ኪሎሜተር) ጥራሕ ኢዩ ዝብጽሓ። በዚ ምኽንያት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቁጠባዊ ዞባ ዝብሃል ቦታ የልቦን።

 

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዓለምለኻዊ መተሓላለፊ ዝኸዉን ናይ ባሕርን ኣየርን ነጻ ዞባ ኣሎ። ዝኾነት ሃገር ፍሉጡን ምዝጉቡን ባንዴራ ዘሎዋ ኣቑሑት ይኹን ሰባት ዝጸዓነት መርከብ ክትሰጋገረሉ ትኽእል ኢያ። እቲኣ መርከብ ሕጋዊ ዲያ ሕጋዊ ዘይኮነ ጽዒና ምቁጽጻር ኽግበረላ ይክኣል ኢዩ። ቁጽጽር ናይ ምግባር ዓቕሚ ይሓትት። ምናልባት እቲ ዝርዝር ጉዳያት ንኽኢላታት ሕጊ ዝግደፍ ጉዳይ ኢዩ ዝኸዉን። ንዓና’ዉን ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። ቐንዲ ዛዕባና ክኸዉን ዘለዎ ኣብቲ ካልእይ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ።

 

ኣብ መንጎ ገምገም ባሕሪ ዘለዋ ሃገርን ገምገም ባሕሪ ዘየብላ ዕጹዉቲ ሃገርን ዘሎ ዝምድና ከመይ ይመስል ኢና ኽንምልከት። ገማግም ባሕሪ ዘይብላ ዕጹዉቲ ሃገር ነዚ ዝስዕብ ኩነታት ምስተማልእ ጥራሕ ነቲ ባሕሪ ኽትጥቀመሉ ትኽእል። እዚኤን ዝስዕባ ሰለስተ ነጥቢ ኣብቲ ሕጊ ባሕሪ ሰፊረን ዘሎዋ ኢየን።

1.     ብቐዳምነት ልኡላዊነት ናይቲኣ ገማግም ባሕሪ ትዉንን ሃገር ክተኽብር ኣሎዋ።

2.     እቲ መዓላ ንሰላማዊ መዕላ ጥራሕ ክኸዉን ኣለዎ።

3.     እቲ ምትሕልላፍን፣ ምስግጋርን፣ ኣብ ወደብ ምርጋፍን ብዝምልከት ቅንዕና ክህልዎ ኣሎዎ።

 

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዝሩ ዘሎ  ነጥብታት ኣብት ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣብ ዓንቀጽ 17 ፣ 19 ፣ 45 ከምኡ ከኣ ዓንቀጽ 87 ብዝግባእ ክጽናዕ ኣሎዎ። ሓደ ምሁር ትግራይ ነዚኤን ዓንቀጻት ከይሰመዬ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣጠቓቕማ ባሕሪ ይዛረብ ኣሎ ወይ ደንቆሮ ኢዩ ወይ ከኣ መታለሊ ኢዩ። ግድን ኢዩ እንተድኣ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ኣጠቓቕማ ባሕሪ ኽትዛረብ ኮንካ መሰረት ናይቲ ሕጊ እዚኤን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ዓንቀጻት ኢየን። ምኽንያቱ እቲ ሕጊ ሰላም ንምስፋንን ንምትሕግጋዝን ተባሂሉ ዝተሓገገ እምበር ንህዉከትን ንሙግትን ተባሂሉ ኣይተሓገገን። እቲ ሕጊ ንጹር ኢዩ። መሰል ኣሎኒ ኢልካ ትሙጉተሉ ሕጊ ኣይኮነን። ወረ ብመሰረቱ’ዉን ዉዕል ኢዩ ዝብል። ዉዕል ኽትገብር እንተኾንካ ከኣ ብቐዳምነት ሰላማዊ ከምኡ’ዉን ቅንዕና ዘሎካን ትከባበርን እንተኾንካ ኢዩ። ስለዚ ንምሁራት ትግራይ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣብ ሰላማዉን ፣ ቅንዕናን፣ ከምኡ’ዉን ምክብባር ኣቐዲምኩም መጽናዕቲ ዉሰዱ ኣብል። ብድሕሪኡ ኣብ ዉዑል ትመጹ።

 

ካብዚ ቀጽልና ሰላም ኮይኑ ሕዉነታዉን ምትሕግጋዝን ምስሰፈነ ብዛዕባ ክህሉው ዝኽእል ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣጠቀቐማ ባሕሪ ኽንምልከት ኢና። ሓንቲ ገማግም ባሕሪ ዘሎዋ ሃገር ንሓንቲ ገማግም ባሕሪ ዘይብላ ዕጹዉት ሃገር ክሳብ ልዕላዉነታ ዝኽበረትላ እሞ ከኣ ንሰላምዉን ብቕንዕና ዝመሓላላፍን ዝሰጋገርን ንብረት እንትርፎ ንመሳለጢታት እተኽፍሎ ወጻኢ ነቲ ንብረት ከየቐረጸት ክተሕልፎ ይግባእ። ኣብዚኣ ኣብነት ምጥቃስ ኣገድሲ ኽትከዉን ኢያ። ንኣብነት ሓንቲ መኪና ናብቲኣ ዕጹውት ሃገር ኽትሰጋገር እንተኾይና ቀረጽ ኣይትኸፍልን ኢያ። ንበል ኪዳነ ኤርትርዊ ኢዩ። ከምኡከኣ ዉቤ ትግራዋይ ኢዩ። ክልቲኦም ሓንቲ ዓይነት ቶዮታ መኪና ካብ ኖርወይ ነናቶም ገዚኦም ይሰዱ። እቲኣ መኪና ናይ ኪዳነ ኣብ ኤርትራ ስለዝጥቀመላ ኣብ ወደብ ባጽዕ ምስተራገፈት ቀረጽ ክፊሉ የውጽኣ። ዉቤ ግን እቲኣ መኪና ኣብ ኢትዮጵያ ስለዝጥቀመላ ቀረጽ ከይከፈለ ካብ ባጽዕ ናብ ኢትዮጵያ የሰጋግራ። ኣብ ወደብ ባጽዕ ግን ጉዳዩ ኽሳለጠሉ ግብሪ ይኸፍል። ኪዳነ ግን ኣብ ባጽዕ ቀረጽን ናይቲ ዝተሳለጠሉ ግብሪ ብተወሳኺ ይኸፍል። ስለዚ ብዛዕባ ቀረጽን ግብርን ፈላሊና ኽንፈልጦ ይግባእ።

 

ቐንዲ ዓላማ ናይዚ ጽሑፍ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ሕጊ ባሕሪ ንምሃብ ኣይኮነን። መን ኢኻ እንተበሉኻ እንታይ ትብል። የግዳስ ድቃስን ቅሳነትን ዘየምሕረሎም ትግራዎት ጎርቤት ካብ ተዓደልና ከከም ኣመጻጽእኦም ኽንገጥሞም ስለዘሎና ኢዩ። ብሓይሊ እንተመጺኦም፣ ይክኣሎን ዋርሳይን ኣሎዉ። ብፖሎቲካን ዲፕሎማስን እንተመጺኦም በሊሕ መሪሕነት ኣሎ። ግዴና እዚኦም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዘሎና ከኣ ዓቕምና ብጽሑፍ ዲዩ ብዘረባ ኽንገጥሞም ኣሎና።

 

ግደ ሓቂ ኽንዛረብ እንተኾይና ምሁራት ትግራይ ነቲ ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ ዘይፈልጥዎ ኮይኖም ኣይኮነን። የግዳስ ንኤርትራዊያን ንምሕራቕ ኮነ ኢልካ ዝጉስጎስ ክፍኣት ኢዩ። ይዕወትሉ ኢዮም ከኣ። ምኽንያቱ እቲ ኤርትራዊ ቀልጢፉ ስለዝሓርቕ፣ ነዚኣ ከኣ ንሳቶም ስለዝፈልጡዋ ተገዲሶም ኢዮም ዝጥቀሙላ። ይትረፎዶ ባሕሪ ብህውከትን ዕግርግርን ነቲ ኣብ መሬት ዘሎ ጸጋታት’ዉን ብሰንኪ ህዉከትን ዕግርግርን ኽንጥቀመሉ ኣይክኣልናን። ትግራዎት እንተድኣ ባሕሪ ኤርትራ ኽጥቀምሉ ኮይኖም ኣቕዲሞም ብዛዕባ ሰላምን ቅሳነትን ኣብቲ ኣካባቢ ቐንዲ ኣፍርቃ ተግዲሶም ክሰርሑ ይግባኣ። ንኹሉ ነገር ሰላምን ቅሳነትን ኢዩ ወሳኒ።

 

ቀጺለ ብዛዕባ እቲኣ ታሪኻዊ መሰል ኣሎና ዝብሉዋ ኢየ ኽዛረብ። ብዙሕ ዓጀውጀው ኣየድልን ኢዩ። ምኽንያቱ ታሪኽ ንታሪኽ ጸሓፍትን ኣዘንተዉትን ዝግደፍ ጉዳይ ኢዩ። ብዛዕባ ታሪኽ ኽንዛረብ እንተኾና ግን ዉዕል ኣልጀሪስ ዝብሃል ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵን ብሃንደስቲ ምሁራት ትግራይ ዝተደፋኣሉ ኣብ ተግባር ግን ከምዘይሰርሕ ዝገበርዎ ባዕላቶም ትግራዎት ስለዝኾኑ ተመሊሶም ታሪኽ ኽዝክሩ የዘኻኽሮም። ምኽንያቱ፣ እቲ ሕጊ ባሕሪ ዉዕል ኢዩ ዝብል። እሞ ምሁራት ትግራይ ዉዕል ተኽብሩ ዲኹም? ታሪኽ ማለት እዚ ኢዩ። ታሪኽ ዉዕል ኣልጀሪስ ኣለኩም። ኣዱሊስ፣ መጠራ፣ ኣኽሱም ዝብሃል ዉዕል የልቦን። ብዛዕባ ኣዱሊስ፣ መጠራ፣ ኣኽሱም ክተዘንትዉ ትኽእሉ ኢኹም። ንሕጊ ባሕሪ ግን መወከሲ ክኾኖኩም ኣይክእልን ኢዩ። ምኽንያቲ ሕጊ ባሕሪ ዉዕል ኢዩ ዝብል።

 

Tesfamicael Yohannes Teckle

Oslo, Norway

 

www.afronorway.com

Epost tesfamicaelyohannes@gmail.com