Home

መንነት

By Mahari Tikabo


ብዛዕባ ኤርትራዊ መንነት ኣብ ማሕበራዊ መድያ ብዙሕ ክብሃል ጸኒሑን ኣሎን። ብዙሕ ሰብ ንኤርትራዊ መንነቱክከላኸልንክምጉትን ክትርኢ ዝያዳ ሓበን ይፈጥረልካ። ገለ ድማብፍላጥ/ብዕላማይኹን ብዘይፍላጥ: ኤርትራዊ ዝባሃል መንነት የለን ወይካኣ ጌጋ'ዩ ክብል ይስማዕ። ብናተይ ሪኢቶ: ኤርትራዊ መንነት ሓደ ካብ'ቶም ኣዝዮም ዝተሰርሑ/ውዱኣት መንነታት ዓለም እዩ። ምናልባት ግን መንነት እንታይ ማለት እዩ: ኤርትራዊ መንነትከ እንታይ እዩ ኣማጻጽእኡ ኣብ ዝብል ናይ ርድኢት ዋሕዲ ወይካኣ ምፍልላይ ክህሉ ይኽእል ይኸውን። ነዚ መሰረት ብምግባር: ንሎሚ ኣብ መንነት ብሓፈሻ: ብፍላይ ድማ ኣብ ኤርትራዊ መንነት ኣተኪረ ርዲኢተይ ሰው ከብለልኩ'ሞ: እስከ ግዱሳት ድማ ሪኢቶኹም ሃብሉ: ንሓድሕድና ንማሃሃር። ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ክዛረቡ ካብ ዝኽእሉ ሰባት ምናልባት ኣነ እቲ ዝውሓድኩ ክኸውን ይኽእል እየ: ግዳስ ኩላትና ዓዓቕምና ክንገብር ከም ዘለና ድማ ይርዳኣኒ።


Read more    Read Pdf File

ሰላም ኣብ ቀርኒ ኣፍርቃ ዕድል ትርከብ

By Tesfamicael Yohannes


ዉግእ ጠጠው ኢሉ ሰላም ከኣ ዕድል እንተረኸበት ሰናይ ኢዩ። ብዛዕባ ጁንታ ከኣ ድሕሪ ደግም ስግኣት ክኾኑ ኢዮም ኢልና ኣይንሰከፍ። ንጁንታ ንምንእኣስ ዘይኮነስ ብስነፍልጠታዊ ትንተና ኽንግምግሞ ንፈትን። ብኣብነት ግን ፍጻሜ ናይ ጁንታ ኽገልጸልኩም ኽፍትን ኢየ። ጁንታ ንዕስራን ሸውዓተን ዓመታት ኣብ ስልጣን ተቐሚጡ ሓይሊ ኽድልብን ንዋትን ንብረትን ኽጓርትን 


Read more    Read Pdf File


An Open Letter to Martin Plaut

By Tesfamicael Yohannes


Nobody from Eritrean nationals can believe the stories you write against Eritrea. Mind you, I said Eritrean nationals, as there are non-Eritrean nationals who claim for different reasons to be called Eritreans. So don’t confuse between Eritrean nationals and the name taken by others as Eritreans, but not Eritrean nationals. What is so important to differentiate between Eritrean nationals and the so-called Eritreans by name for this message? The importance of the differentiation is; for you to realize that, to whom your stories are doing service, are for those who want to see the failure of Eritrea as a nation. If you get this point correctly, your stories are falling at the wrong hands of Eritrea enemies in general.

My question to you Martin Plaut is: by serving Eritrea’s enemies, apart from the materialistic advantages, what existential importance does it have to you? Please, if you have the capability to explain what comes first, is it essences before existentialisms or existentialism before essences? I expect you to have general knowledge about existentialism and essence.



Read more  Read Pdf File


ሕጊ ባሕሪ ኣሎዶ?

By Tesfamicael Yohannes


እቲ መልሲ ንይዚ ኣርእስቲ ዘሻሙ ኣይኮነን። እወ ሕጊ ባሕሪ ኣሎ ኢዩ እቲ መልሲ። ልክዕ ከምቲ ናይ መሬት፣ ከምኡ’ዉን ናይ ኣየር ሕጊ ዘሎ ማለት ኢዩ። ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም፣ ሕቡራት ሃገራት ዉድብ ተመስሪቱ። ንዓለም ብሰላምን፣ ሕዉነትን፣ ምትሕግጋዝን ሃገራት ኽነብራ ብማለት ንመሬት፣ ንኣየር፣ ንባሕሪ ብዝምልከት ዓለምለኻዊ ሕግታት ተሓንጺጹ ኢዩ። እዚ ስለዝኾነ ከኣ ዉሱን ዝኾነ ምዝብዓት ስርዓተ ዓለም፣ ዉግእን ወረ ዉግእን ገድፍካ ብተዛማዲ ዓለምና ኣብ ርግኣት ትርከብ። እዚ ሎሚ ተገዲሰ ክጽሕፍ ዝድረኸኒ፣ ኣብዚ ቐረባ እዋን ምሁራት ትግራይ ብዛዕባ ባሕሪ ኤርትራ ታሪኻዉን ሕጋዊን መሰል ኣሎና ኽንጥቀመሉ ሰለዝበሉ ምናልባት ብታሪኽን ብሕጊ ዓለምን ፈላጣት ኢና ይቡሉ ከይህልዉ ልጓም ኽግበረሎም ብማለት ኢየ።


Read more  Read Pdf File


ሃሞራቢ ዝብሃል (ዲና ሙፊቲ፣ ተኣምራት ነገራ) ፈላስፋ

By Tesfamicael Yohannes


ሃሞራቢ ዝብሃል (ዲና ሙፊቲ፣ ተኣምራት ነገራ) ፈላስፋ ኔሩ። ደቂ ተባዓትዮ 32 ሰኒ፣ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ 30 ስኒ ኣለወን እንዳበለ ይምህር ኔሩ። ሕዝቢ ስዕብዎ። ብዓል ኣርሲቶቲል ምስ መጹ "ኣንታ እዚ ሃሞራቢስ (ዲና ሙፊቲ፣ ተኣምራት ነገራ) እንታይ ኮይኑ ሰበይቱ ኣብ ጥቕኡ እንዶ ኣይነበረትን ናይ ሰበይቱን ከምኡ ከኣ ናይ ጉሉ፣ ወረግ ናይ ጎሮባብቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣስናን እንዳቆጸረ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ 32 ኣስናን ከም ዘለወን መረጋገጸ ኔሩ" ኢሎም። ሕጂ ከኣ ንበዓል ዲና ሙፊቲ፣ ተኣምራት ነገራ፤ ማርቲን ፕላዉት፣ ዶክተር ዳቪድ ሽን፣ ዝኣመሳሰሉ ሃሞሪቢ ዝብል ሽም ኣጠሚቐዮም ኣሎኹ። ስለዚ ኣብ ክንዲ በብሓደ ሽምም እንደጠቐስና ግብረ-መልሲ ንህብ በዚ ሓባራዊ ናይ ኮድ ሽሞም ሃሞራቢ ንበሎም። ምኽንያቱ ብዛዕባ ሕዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ኣረኣእያ ልክዕ ከምዚ ናይ ሃሞራቢ ጉጉይ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም። እንታይ ኮዮኖም ካብ ዉድቀት ሃጸይ ሃይለስላሰ ፤መንግስቱ ሃይለማርያም ፤ መለስ ዜናዊ፤ ከምኡ ከኣ ሕጂ ብዓብዩ ዉድቀት ወያኔ ዘይምሃሩ። ብዛዕባ ካብ ዉድቀት ትምህርቲ ዘይምርካብ ፈላስፋ ካንት ዝበሎ ይሰማማዓሉ ኢየ። ኣብ መጽሓፍ "A history of western phlosophy: Kant and the Nineteenth Century, second edition, revised, by W. T. Jones " ገጽ 43 ተመልከት። ካንት ዝብል "ሓደ ነገር ክትምሃረሉ ትኽእል ንነገራት ብስሩዕ ትዕዝብቲ ካብ ተሞክሮ ኢዩ"።


Read More    Read Pdf File


My Vacation 2022 In Norway

Explain to your visitors what you’d like them to do next. Maybe they should learn more about your project, or visit your online shop, or call you. Lead the way!

MORE THAN DESIGN

Grooming


Paragraphs are the main building blocks of web pages. To change what this one says, just double-click here or hit Edit text. You can change the style here, too.

Get in Touch


Paragraphs are the main building blocks of web pages. To change what this one says, just double-click here or hit Edit text. You can change the style here, too.